Www.Hariena.com
Www.ሓሬና.com
ናብ'ቲ ርሑቅ ሕልፈት ፣ ጉያ ትሕቲ ዜሮ
ህድማ ካብ ነብስኻ ፥ ግዜ ዘይቁጸሮ
ቀለብ ምድረበዳ ፣ ኣሪዮስ ፣ ዝብሰሮ
ጉያ ብዘይ እግሪ ፣ ታሪኽ ዘይድመሮ
መጋበርያ ኣይትኹን ፣ ናይ የለና ባሃልቲ
ዋጋሕታ ዘብርዮ ፣ ከያድ እንዲ'ዩ ለይቲ
ብሞራል ኳሓሎ ፣ ዓይንኻ ጠማቲ
ኣይትተሃመል ጽጌናይ ፣ጽጌናይ ማእኩኦቲ
"ሆ" ባሃል ኣሎ ዋርሳይ
"ሆ" ባሃል ኣሎ ጎበዛይ
መሬት ከላ ፈቃር ፣ እዛ መሬት ህጻን
ብእሩሩ ሓፋሽ ፣ እግሪ ዝተኸለት
ናበይ ክትሓድጋ ፣ ታተ ከየጽረየት
ኣነ ንስኻ ንስኺ ዝበለ
ኩሉ ሙሉ ኣሎ ፣ ብልክዕ ብልክዕ
ኣብ ደረት ዓድና....
ጸጋ ንዓና'ዩ ፣ ኣሰየ ኣሰና
ካባና ናባና......
ንሰላም ከይሸጡ ፣ ብልክዕ ብልክዕ
ንሕና እና ነበርና......
ህድ ኢልና ንኹዶ ፣ ንፋስ በረከትና
ብርሃን ኣሎ ኣባኺ ኣባኻ ፣ ነላፍኖ ጥራይ ደመይን ረሃጽካን
ናብ ሰራሕቲ ቅያ ፣ ክዘጥጥ'ዩ ሚዛን
ብዘይውዓል ሕደር መጺዩ ኣሎ እዋን
ኣይትተሃመል ህዝበይ ፣ ወለዶ ሓኔታይ
ነቅጺ ምድረበዳ ሓሕ ንበሎ ጥራይ
ወነብቲ ባሕሪ ኢና ፣ ተቀነቲ ቀላይ
ኣይትተሃመል ህዝበይ ፣ ኣይትተሃመል
ሰብ ጸጋ'ዮም ንሶም ፣ እና በለት ዓለም
ገበን ኣብ'ዚ ዘመን ፣ ካብ ነብስኻ ምህዳም
ምስራሕ'ዩ እቲ ምስጢር ፣ ታሪኽ ምቅድዳም
ኣይትተሃመል ጎበዚ ጎበዚ
ብርሆና ነለምልም.......
Негізгі бет Esseyas Salh (Rasha ) ኣይትተሃመል ህዝበይ Eritrean Music 2017
Пікірлер: 139