ኣብ ዘመነ ስርዓት ደርጊ ዘይረአይዎ መከራን ስቓይን የለን። ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ተሓይሮም ዘይጠዓምዎ ዓይነት መግረፍቲ የለን። ካብ ተራ መናዘዚ ዱላ ክሳብ ቁፅሪ ሸሞንተ ዝብሃል ስልቲ መግረፍቲ ኣተኣናጊዶም እዮም። ቁልቁል ተንጠልጢሎም ብፅፍሪ እግሮም ደም ክሳብ ዝፍንጀር ከብዲ እግሮም ብዱላ ተገሪፎም። ንኽርሸኑ #ቀይ #ሽብር ዝብል ፍርዲ ተሃቲሙሎም ይፈልጥ። ካብ ቤተ ማእሰርቲ ብተኣምር ኣምሊጦም ህይወቶም ዝደሓንሉ ኩነታት ኣሎ። ሎሚ ኩሉ ነገር ብትዝታ ዝጥምትዎ ወዲ 72 ዓመት ኣይተ ተኽላይ ሓድሽ(ተኽላይ ኣፍሮ) ኣቦ 16 ኣጓብዝ እዮም። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ፅንተት ምስ ኣጋጠመ 'ውን 5 ደቆም ዘጋደሉ ሃርበኛ እዮም። መብዛሕትኡ ሰብ "ትግራይ ምልባማ" ኣብ ዝብል ናይ ትኩእ ወልዱ ደርፊ(ክሊፕ) ብተዋሳኣይነት ይፈልጦም። ክትሰምዖ ቀልብኻ ዝገዝእ መደምም ታሪኾም ኣብ ፕሎት ሚድያ ከዘንትዉልና እዮም። ሰናይ ምክትታል።
Негізгі бет " ከብዲ እግርና እንትገርፉና ደም ብፅፍሪ እግርና ይነዝዕ ነይሩ!"
Пікірлер: 70