ልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ተጋድሎ ኣሎ። ኣብ ወራር ኤርትራ ብጅግንነት ተዃሺሑ ብጅግንነቱ ተሸሊሙ እዩ። ካብ በረኻታት ኤርትራ ክሳብ ኩሎም መዋስንቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ በረኻታት ሶማልያ ክሳብ ሀገረ ላይበሪያ መራሒ ውግእን መኽበሪ ሰላምን ኮይኑ ኣገልጊሉ መዓርግ ተጎናፂፉ። ወራር ፅንተት ምስ ኣጋጠመ ድማ ምስ ነባር ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ተፀምቢሩ ታሪኽ ሰሪሑ። ካብ ኦፕሬሽን ሰሜን እዝ ጀሚሩ ክሳብ ዓውደ ውግኣት ኣምሓራ መስተንክራዊ ስርሒት ፈፂሙ። ንጀነራል ወዲ ወረደ ብዝገርም ቆራፅነት ካብ ሞት ኣድሒንዎ እዩ። ኣብ ማህበረ ደይጐ ንንፁሃን ወገናትና ዝጨፍጨፉ ፀላእቲ ምሉእ ብሙሉእ ደምሲሱ ሕነ ፈድዩ። ነጥበ መቐይሮ ዓወትና ዝኾነ ወፍሪ ኣሉላ ፈላመይቲ ጥይት ተኲሱ ዘፈለመ ንሱ እዩ። መራሕቲ ውድብ ኣብ ተኽዓ ተኸቢቦም ኩሉ ነገር የብቀዐሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ብተኣምራዊ ስርሒት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ዘድሐኖም 'ውን እዚ ጅግና እዩ። መግለፂ ጫፍ ትግራዋይነት ጅግና ተጋዳላይ(ዋና ሳጅን) ኣሰፋ ኪዳኑ ይበሃል። ዝገርም ዕላል ኣብ ፕሎት ሚድያ ገይሩ ኣሎ ተኸታተሉ።
Негізгі бет Ойын-сауық " ፈላመይቲ ጥይት ወፍሪ ኣሉላ ዝተኮሰ ርዙን መራሒ!"
Пікірлер: 147