ዓዲ ተወሪራ፣ ህዝብና ዘፅንቱ ሓይልታት መፂኦም እንትብሃል ቅድሚ ኹሉ ወፊሮም። ንስለ ህላወ ትግራይ ክብሉ ንእስነቶምን ህይወቶምን ንምውፋይ ናብ ማእኸል ሓዊ ኣትዮም ብጅግንነት ተቓሊሶም። ኣብ ኣዝዮም ከበድቲ ዓውደ ውግኣት ሓዊ ዓቲሮም እንትኳሽሑ ብፆቶም እንትወድቁ፣ ክቡር መስዋእቲ እንትኸፍሉ ብዓይኖም እናረኣዩ ብሕልነኦም ይቐርፁ ነይሮም። ገሊኦም ግዜ ምስ ርሃወ ሓዳር ንኽገብሩ ተዳልዮም ከለዉ ፀጋመይቲ ጎኖም ብመስዋእቲ ተሓዲጎም። ገሊኦም ዝፈትውዎ ሰቦም ኣብ ኢዶም ተሰናቢትዎም። ዳርጋ ኩሎም ድማ ብፆቶም ከቢድ ቃል ሕድሪ ተማሕፂኖሞም ሓሊፎም። ኣብ ከይዲ ንባዕሎም 'ውን ዝተፈላለየ መውጋእቲ ኣጋጢምዎም ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ተሪፎም።
ድሕሪ ሕክምና ናብ ቤተሰቦም ምስተፀምበሩ ኢዶምን እግሮምን ዓፃፂፎም ክቕመጡ ኣይከኣሉን፤ ቃል ሕድሪ ስውኣት ብፆቶም ድቃስ ስለዝኸለኦም ተጠርኒፎም "ፅንዓት" እተሰምየት ውዳበ ብምጥያሽ ናብ ስድራ ስውኣት እናኸዱ ከፅናንዑ ጀሚሮም። ሓገዝ እናተኣኻኹ ድማ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝወደቑ ቤተሰብ እግሪ ከትክሉ፣ ምግብን ናውትን ምድጋፍ ቀፂሎም። ካብዚ ሰጊሮም መሓውሮም እናጠናኸሩ ኩለመዳያዊ ሓገዛት ንስራ ስውኣት እናገበሩ ይርከቡ።
ዝገርም ውዕሎ ተጋድሎኦም፣ ቀልብኻ ዝዝውር ምኽንያት መሐረኒኦም፣ ዘደምም ፍፃመ መውጋእቶም፣ ልብኻ ዝሰብር ታሪኽ ተጓንፎ ህይወቶምን ካብ ድቃሶም ዘባህንን ቃል ብፆቶምን ከዘንትዉልና እዮም። ሕልናኻ ዝሰልብ ታሪኾም ኣብ ፕሎት ሚድያ ይከታተሉ።
Негізгі бет " ቃል ስውኣት ሓዊ እዩ. . .!"
Пікірлер: 346